ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤ ምሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መግለፂ ህብረ ብሄራውነት ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም፡፡

ናይ ኢትዮጵያውያን ናይ ዘበናት ሕራነ ዝነበረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀቱ ተዛዚሙ ስነ ስርዓት ምረቓኡ ኣብ ጉባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ አፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ተረኺቦም፡፡

ከምኡ እውን ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ፣ ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌን ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪካን ተረኺቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብመዓርግ ም/ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ፣ ነበር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ሚኒስትራትን ተረኺቦም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment