ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዘበናዊ ማእኸል ምርምር ስራሕ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቀፅሪ ትካል ምርምር ኣርማወር ሃንሰን ዝተሃነፀ ዘበናዊ ማእኸል ምርምር መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኣብ ምህዳር ሳይንስ ኢትዮጵያ ኣፍሪካን ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዘበናዊ ማእኸል ምርምር ሎሚ መዓልቲ መሪቕና ከፊትና ኢሎም።

እቲ ማእኸል ካብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ሓሊፉ ርእሳ ዝኸኣለትን ጥዕናኣ ዝተሓለወን ኢትዮጵያን ጋህዲ ንምግባር ዝተግህ ዓብዪ ማእኸል ፍልጠት ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

40 ላቦራቶሪታት፣ ዓበይቲ ቦታታት ጂኖሚክስን ባዮኢንፎርማቲክስን ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈርዩ ኣፋውስ ፅሬትን ብቕዓትን ዘረጋግፅ ማእኸል ባዮኢኩዊቫለንስ ዘካተተ ማእኸል ምርምር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ንሃንደበታዊ ሓደጋታት ድሉውን ምላሽ ናይ ምሃብ ዓቕሚን ኣብ ምህናፅ ከም ማእገር ኮይኑ ዘገልግል ኢዩ እውን ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment