ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ዝተረኸብሉ መበል 90 ዓመት ክብረ በዓል ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ኤክስፖ ኣቪዬሽን 2026 ተኻይዱ።
እቲ ኤክስፖ “መፃኢ ኣቪዬሽን ብሓባር ንህነፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር።
ኢትዮጵያ ንልምዓት ኣቪዬሽንን ኤሮስፔስን፣ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ብምጥንኻርን እታ ሃገር ኣብ ልምዓት ኣቪዬሽን ማእኸል ዞባውን ኣህጉራውን ምህዞ፣ ምምዕባል ክእለትን ዘላቒ ምዕባለን ምግባር ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋምን ተግባርን ከምዘርእይ ተገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!