ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ብዛዕባ ምድላዋት ኮፕ 32 ዘትዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ምስ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ጉጅልኦምን ብዛዕባ ምድላዋት ኮፕ 32 ዘቲና ኢሎም።
ኣብቲ ዘተ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ንኣህጉር ክውክል ዝኽእል ኮፕ 32 ንምድላው ብከመይ ተቐራሪቦም ክመኽሩ ከምዝኽእሉ ዘትዮም፡፡
ብመሪሕነት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንኮፕ 32 ኣብ ዕዉት ንምግባር ቁልፊ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ንምዃን ቃል ከምዝኣተወ ተገንዚበ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!