ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤ ምሲ)ግደ ንግዲን ዓውዲ ውልቀን ንምጥንኻር ዝዓለመ “ኢኮትሬድ” ፕሮጀክት ሎሚ ኮይኑ።
እቲ ፕሮጀክት “ብውልቀ ዓውዲ ዝምራሕ ሰንሰለት እሴት ክብ ብምባል ዝምድና ንግዲን ኢኮኖሚን ኢትዮጵያ ምጉልባት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ክትግበር።
ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፥ እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ብናፃ ቀጣና ንግዲ ኣቢሉ ቀጣናዊ ዝምድና ንግዲ ንምስላጥ ንእትገብሮ ፃዕሪ ልዑል ግደ ኣለዎ።
ብተወሳኺ ዓውዲ ውልቀ ሃገራዊ ግደ ንምጥንኻር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ኣገንዚቦም።
ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመት ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት ቀጣናዊ ሰንሰለታዊ እሴትን ትካላዊ ዓቕሚን ምዕባይ ከምኡ ’ውን ትካላት ንግዲ ኣብ ምጉልባት ጠመተ ዝገብር ኢዩ።
ብመሳፍንት ብርሌ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!