ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብድሆታት ብምፍታሕ ምቹው ዕድላት ተፈጢሩ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከይዲ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዝነበሩ ብድሆታት ብምፍታሕ ኣብቲ ዓውዲ ምቹው ዕድላት ምፍጣር ተኻኢሉ ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ገሊፆም፡፡

3ይ “ኢንቨስት ኢትዮጵያ 2025” ዓለም ለኸ ፎረም ኢንቨስትመንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ኣብቲ ፎረም ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዕብየት ንምቕፃል ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብን ለውጢ ንምምፃእ ዘኽእሉ ምምሕያሻት ተገይሮም፡፡

ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ዘለዋ ምችው ዓቕሚ ተደሚሩ እታ ሃገር ተመራፂ ንክትኾን ይገብር ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ካብ ኣፍሪካ ብምጣነ ሃፍቲ መሪሕ ንምዃን ዝሓዘቶ ትልሚ ምሓዛ ብምሕባር፤ ንዓውዲ ኢንቨስትመንት መንግስቲ ልዑል ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ብግዲኦም፤ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ብቕልጡፍ ንክዓብያ እናገበሩ ካብ ዝርከባ 10 ሃገራት ውሽጢ ከምትርከብ ገሊፆም፡፡

ልዑል መጠን ዘለዎም መንእሰይ ሓይሊ ሰብ ከምዘለዋ ብምሕባር ÷ ንኢንቨስትመንት ምችው ዝኾነት ኢትዮጵያ ሰብሃፍቲ ኢንቨስት ፃውዒት ኣመሓላሊፎም፡፡

ብታምራት ደለሊ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment