ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀፃሊ ትውልዲ ናይ ማይ ዲፕሎማት፣ ተደራዳሪን ሳይንቲስትን ንክኸውን ምስልጣን ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።
ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ጉዳያት ምትሕብባር ማይ ተሻጋሪ ወሰን ጠመተ ዝገበረ መበል 12 ኮንፈረንስ ዲፕሎማሲ ማይን ሃይድሮን ይሳለጥ ኣሎ።
ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)÷ ብዘተን ግልፅነትን ምስ ጎረባብትና ምትእምማን ምፍጣር የድሊ ኢሎም።
ቀፃሊ ትውልዲ ናይ ማይ ዲፕሎማት፣ ተደራዳሪን ሳይንቲስትን ንክኸውን ምስልጣን ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ንምትሕብባር ዘለና ቁርፀኝነት ብምርኣይ ዓለም ለኸ ደገፍ ምስሓብ ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም።
ቀፃልነት ዘለዎ ለምዓት ማይ ካብ ዲፕሎማሲ ወፃእ ክኸወን ከምዘይኽእለን እቲ ዲፕሎማሲ እወን ብዘይ መረዳእታ፣ ኣፍልጦን እምነትን ውፅኢታዊ ከምዘይኸውን ገሊፆም።
ሃገራዊ ረብሓ ብምሕላው ናይ ቀፃሊ ሰላም፣ ምትሕብባርን ሓበራዊ ልምዓትን ንምቕራፅ ንባዕልትና ምድላው የድሊ ኢሎም።
ብመለሰ ታደለ