ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ጦርን ኣቢይ ኣሕመድ ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ምስ ሰራዊት ንምኽባር ናብ ግንባር ማይ ፀብሪ ኣቲዮም።
ኣብ ግንባር ማይ ፀብሪ ምስ ሰራዊት በዓል ንምኽባር ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ፣ ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሌትናል ጄኔራል ኣበባው ታደሰ፣ ሓላፊ ዋና መምርሒ ወፍሪ ሕብረት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጄር ጄኔራል ዘውዱ በላይ፣ ኣዛዘ ምእራብ እዚ ማይፀብሪ ግንባርን ሜጄር ጄኔራል መሠለ መሠረት ሓዊሱ ላዕለዎት መኮንናት ጦር ተረኺቦም።
ኣባላት ሰራዊት ተልእኾኦም ብዝለዓለ ብቕዓት ብምውፃእ ኣብ ሐዱሽ ዓመት ኣብ ሃገርና ኣተኣማማኒ ሰላም ክነንግስ ኢና ኢሎም።
ህዝብና ዘርኣየና ልዑል ድጋፍ ናይ ሞራል ስንቂ ብምግባር ኣብ ሓዱሽ ዓመት ንህዝብና ዓበይቲ ብስራት ዓወት ንምስማዕ ንዳሉ ምባሎም ኣሚኮ ዘጊቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።