ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ጋና ጆን ማሃማን ምስ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኤቫርሴት ንዳይሽሚዬን ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብታ ኣህጉር ዝርከቡ ዕድላት ልምዓትን ማሕለኻታትን አመልኪቶም ምይይጥ ከምዝገበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡
ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ እውን ተዛሪቦም፡፡