ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ዝውውር ሞባይል ገንዘብ 58 ሚሊየን በፂሑ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ከምኡ እውን ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ኣመልኪቶም ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
በዚ ድማ ኣብ ዲጂታል ኣገልግሎት ብፍላይ ድማ ኣብ ሞባይል ኣገልግሎት ልዑል ዕቤት ከምዝተመዝገበ ኣልዒሎም።
ቅድሚ ለውጢ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ሞባይል ስልኪ 37 ሚሊየን ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮ ቴሌኮም ጥራሕ 87 ሚሊየን ዓማዊል ከምዘፍረየ ተዛሪቦም።
ሳፋሪኮም ልዕሊ 10 ሚሊየን ዓማዊል ኣለዉዎ ኢሎም።
ድሕሪ ለውጢ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ሞባይል ብ60 ሚሊየን ከምዝወሰኸ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 97 ሚሊየን ሰባት ተጠቀምቲ ሞባይል ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
5ጂ ኔትዎርክ ን28 ከተማታት ኣቲዩለን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 30 ከተማታት ክበፅሐን ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ 1 ሺሕን 70 ከተማታት 4ጂ ኔትዎርክ ከምዝኣተወለን ፀሪሖም።
ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ሰለስተ ዓመት ዝኾኖ ኣገልግሎት ዝውውር ሞባይል ገንዘብ ኣብዚ ሕዚ እዋን 58 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ናይቲ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ብሶስና ኣለማየሁ