ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ሰብ ስራሕ ቃላይ ንጋት ንኢትዮጵያ ሰፊሕ በረከት ሒዙ መፂኡ ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብ ረቂቕ ማስተር ፕላን ቃላይ ንጋት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ መድረኽ ዘተ እናካየደ ይርከብ።
ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ትውልዲን ኣመራርሓን ሩባ ኣባይ ኩርዓት ኢትዮጵያ ንኽኸውን ገይሩ ኢዩ።
ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ጠጠው ብምባል ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ጋህዲ ንኽኸውን ገይርና ኢና ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ንታሪኽ ዝመሓላለፍ ኣሰር ንምንባር ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
እቲ ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ምፍልፋል ንላዕሊ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን በረከት ሒዙ ዝመፅአ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
በቲ ግድብ ዝተፈጠረ ካብ ኣፍሪካ 4ይ ዝዓበየ ቃላይ ንጋት ንሃገራዊ ኢኮኖሚ ዕቤት ልዑል ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም።
እዚ ንምዕዋት ድማ ምድላው ማስተር ፕላን ቃላይ ንጋት እናተገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብኣቢይ ጌታሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!