ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቅነ ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ካብ 16 ነሓሰ ክሳብ 16 መስከረም ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ኢዩ ይኽበር።
ብባህላዊ መመላኽዒ ዝያዳ ፀቢቐንን ማዕሪገንን፣ ጋመ ተቖኒነን፣ ኩትሻ ኣብ እዝነን ሕንቆ መስቀልን ባቡር መስቀልን ኣብ ክሳደን ገይረን፣ ኮንጎ ሳእኒ ኣብ እግረን ኩሕሊ ዓዲ ኣብ ዓይነን ዝገበራ ጎራዙ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ጎደናታት ገፀርን ከተማታትን እንተተራእየን እተን ጎራዙ ብዘይጥርጥር ቆልዑ ኣሸንዳ ምዃነን ኩሉ ሰብ ይግንዘብ።
ኣብ ሓደ ከባቢ ተኣካኺበን ንኣሸንዳ ተባሂሉ ዝተረበበ ቆፅሊ ኣሸንዳ ኣብ መዓንጠአን ብምእሳር ከበሮ ተሓንጊጠን፥
“መፀት መፀት ኣሸንዳ ዕምበብ መፀት’
ኣሸንዳዋይ ናዓሚ ናዓሚየ ተጋኒና ሎሚየ
ዓወይ ስየ ክፃወት’የ ኣይጓልን እንድየ
ክፃወት ኢየ…” እናበላ ብነፃነት ዝዘላሉን ዝሕንብጣሉን ቅነ ኣሃዱ ኢለን ዝፍልማላ ዕለት 16 ነሓሰ ብምዃና እውን ነታ ዕለት “መዓልቲ ነፃነት ደቂ ኣኒስቲዮ” ዝብልዎ ብዙሓት ኢዮም።
ኣብ ትግራይ ካብ ዝኽበሩ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ሓደ ኣሸንዳ እንትኸውን፥ በዓል ኣሸንዳ ኣመፃፅኣኡ ምስ ታሪኽ ድንግል ማርያም ዝተሓሐዝ ሃይማ ኖታዊ መሰረት ዘለዎ ከምዝኾነ ይግለፅ።
ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ድማ፥ “ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል’ዩ” ብዝብል ብኦርቶቶክሳዊት ቤተክርስቲያን ይእመን።
ነዚ እውን፥ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ መቓብር ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተላዒላ ናብ ሰማየ ሰማያት ከም ወዳ ዝኣረገትሉ እርገታ ስለዝኾነ ማርያ (ማርያም) ተባሂሉ ከምዝፅዋዕ ኣቦታት ሃይማኖት ኦርቶቶክስ ቤተ ክርስቲያን ይገልፁ።
ደናግል ኣዋልድ ጥራሕ ዘኽብራሉን ሓጎሰን ዝገልፃሉን ምኽኒያት ድማ፥ ክብረንንን ልዕልንአን ዝተመለሰ ብቅድስት ድንግል ማርያም ብምዃኑ ኢዩ ይብሉ እቶም ኣቦታት።
ነዚ ከም መርትዖ ኮይኑ ዝቐርብ እንትንርአ እውን፥ እየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማሪያም ቅድሚ ምውላዱ ሰብኡት ንኣንስቲ “ኣዳም ቅድሚ ሄዋን ኢዩ ተፈጢሩ፤ ሄዋን ድማ ካብ ፀጋማይ ጎኑ ኢያ ተሰሪሓ” እናበሉ ይምኩሑለን ምንባሮም ኣብ ኣስተምህሮኦም ይገልፁ።
ብተወሳኺ፥ “ብኣኽን ምኽንያት ሞት መፂኡ፤ ሄዋን ካብ ትእዛዝ ፈጣሪ ብምውፃእ ጌይጋ ብምፍፃማ ኣዳም ካብ ገነት ወፂኡ። ብኣኣ ሰንኪ እውን ሞት መፂኡ” እናበሉ የናእስወን ምንባሮም ብምግግላፅ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ እቲ በዓል የብርሁ።
ስለዝኾነ እተን ኣዋልድ፥ “እየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብምውላዱ ካብ ድንግል ማርያም ብዝተወለደ እየሱስ ህይወት ተመሊሱ፤ ወዲ ሰብ እውን ናብ ገነት ተመሊሱ” ብምባል ክብረን ዝተመለሰሉ ዕለት ከምዝኾነ ብምእማን ናይ ነፃነተን ቅነ ገይረን ከምዝኣምና ኢዩ እቶም ኣቦታትን ድርሳናትን ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዘምህሩ።
“ኣሸንዳ” ዝብል ሽም ግን እተን ኣዋልድ ኣብ መዓንጠአን ካብ ዝዕጠቐኦ ቆፅሊ ዝተወሰደ ምዃኑ የብርሁ።
ቖፅሊ ዕጣቕ ገይርካ ዉዳሴን ዕልልታን ምቕራብ ድማ፥ ብብሉይ ኪዳን ታሪክ እስራኤል ነገስታት ዝተሸሙሉን ዝተወለዱሉን መዓልቲ እንተኸብሩ ደቂ ኣንስትዮ ወርቂ ዓጢቐን የሸብሽባ ምንባረን ይገልፁ።
እዚ ማለት ቖፅሊ ተዓጢቐን ዉዳሴን ዕልልታን ዘቕርባሉ ምኽኒያት፥ ናይ ዓወትን ሓጎስን ምልክት ምዃኑ ኢዩ ዝዝረብ።
ዝኾነ ኾይኑ እዚ በዓል ኣብ ዝተፈላላዩ ከባብታት ትግራይ ኣሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ ሕነጊደይ ፀሞረይ ብዝብሉ ስያመታት ኢዩ ዝፅዋዕ።
ኣሸንዳ ከከም ከባቢኡ ብዝተፈላለየ መገድታት ኣዋልድ ዓመት ተፀብየን ንኽልተ ሰሙን (ካብ 1 ክሳብ 16 ነሓሰ) “ፆመ ፍልሰታ ለማርያም” ፆይመን ዘብዕለኣ ዕለት ስለዝኾነት ልዕሊ ዝኾነ እዋን መዓልቲ ነፃነተን ኮይና ንክትደምቀለን ድማ ሰፊሕ ምድላው ይገብራ።
ብመሰረት እዚ እተን ፆራዙ ኣሸንዳ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘለዋ ክልተ ሰሙናት፥ ነቲ በዓል ዝኽደንኦ ዓለባ ዓዲ የዳልዋ።
እቲ በዓል “ኣተወ ኣተወ” ኣብ ዝበሃለሉ ዘለዋ ዕለታት እውን፥ ካብ ስነ ልቦናውን ቁሳውን ክሳብ ምሕዳስ መንፈስ ዝበፅሕ ምድላው እናገበራ ዝቐነያ ኣዋልድ ምስ ቆናኒት ተቛፂረን፣ ትኽስ እንተይበላ እንዳ ፀጉሪ ሓዲረን ይቑነና።
ምሉእ ናፅነት ዝጎናፀፋሉ በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ምድላው ክገብራ ዝቐነያ ደቂ ኣሸንዳ፥ ናብ ኣደባባይ ክወፅኣ እንከለዋ ዓለም “ኩሉ ንዓኽን” ዝበለተን ኢየን ዝመስላ።
ናብ ኣደባባያት ዓፅአን፦
“ኣዋልደይ ቆልዑ ማይዱርየ
ስነን ፀባ መልክዐን ድርድርየ. . .” ብዝብል ዜማ ተዓጂበን ነቲ ከባቢ በይነን ይብሕተኦ።
ክሳደን፣ ጨጉሪ ርእሰን፣ ዓይነን፣ ኢደንን እግረንን ብዝተፈላለዩ ባህላዊ መጋየፅታት ኣመላኺዐን ኣብ ሽምጠን ቆፅሊ ኣሸንዳ ረቢበን ብምዕጣቕ፦
“ንፃወት እንዶ ንተሓዋወስ’የ ዘመን ክምለስየ” እናበላ እውን ይደርፋን ይዘላን።
ብኣናእሽቱ ጉጅለታት ተወዚዐን ድማ፦
“ዲደይ’ዶ ዲደኺ ትዕምርየ(2)
ዲደይ ድኣ ጓለይ ትዕምር” እናበላ ብኣከዳድነአን፣ መጋየፂታተን፣ ዜማታትን ካልኦትን ይነሓናሓን ኣሸንደአን የድምቓን።
ኣብ መገዲ ንዝረኽብኡ ወዲ ተባዕታይ እውን፦
“ሓዛለይ ሓዛለይየ ከይትሰዳለይ” እናበላ
ናብ መንበሪ ኣባይቲ እንትኸዳ ድማ
“ ጎይታይ ኣጋፋሪ ኽፈተለይ በሪ . . .” እናበላ ውህብቶን ልግሲን ብምቕባል ንዘይብሎም ወገናት ይሕግዛ።
ደቂ ኣሸንዳ በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ዝጥቀማሉ ባህላዊ መጋየፅታት ትግራዋይ መንነት ዝተላበሰን ትውፊት ወለደን መሰረት ዝገበረን ኢዩ።
እዚ ማለት ሓላሓሊፎም ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሮም ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዉ ኣብ ባህልን ልምድን ተጋሩ ዘይነበሩ ንክብርን ስርዓትን ኣሸንዳ ዝንክዩ ማለት እውን፥ ንመጋየፂታት ተባሂሉ ሰብ ስራሕ ፀጉሪ ብምጥቃም ዝግበር ቁናኖ፣ ኣብ ገፅን ከንፈርን ዝቕበኡ መመላኽዒታት፣ ስረን ምስ ስረ ዝኸዱ ኽዳዉንቲን ብምግባር ብዘይሙዕሩይ ኣከዳድና ናብ በዓል ኣሸንዳ ምሕዋስ ወዘተ ትኽክል ከምዘይኮኑ ተመራመርቲ እዚ ዓውዲ ብዕቱብ ዘቕርብዎ ነቐፌታ ኢዩ።
ኣብ እዋን ፀወታ ናብ ባእሲ ዘምርሑ ፀርፍታት ምፅራፍ፣ ብስም ኣሸንዳ ዘይጉቡእ ልመና ምክያድን ደርፊታት ኣሸንዳ ብናይ ባዕልኻ መገዲ እናቓነኻ ባህሊ ኣሸንዳ ክሃስስ ምግባርን ዝኣመሰሉ ተግባራት ክእረሙ ይግባእ እውን ይብሉ።
ብመሰረት እዚ ኣሸንዳ ካብ ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶኡ ዝፍልፍል ናይ ባዕሉ ስርዓት ስለ ዘለዎን ካብ ወለዶ ናብ ወሎዶ እናተወራረሰ ዝመፅአ ዓብይ በዓል ስለዝኾነን ተሸኪሙዎ ንዘሎ ፀጋ ብምርዳእ ክብርታት እቲ በዓል ብምዕቃብ ደቂ ኣሸንዳ ንከኽብረኦ ይምከር።
ሰናይ ቅነ ኣሸንዳ