ቅዱስ ጊዮርጊስን ምድረ ገነት ሽረን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 17 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስን ምድረ ገነት ሽረን ብዘይሸቶ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ እንተየመዝገባ ወፂአን፡፡

ኣብቲ ፀወታ ተፃዋታይ ምድረ ገነት ሽረ ስንታየሁ ወለጬ ብክልተ ብጫ ብቐይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ተሰናቢቱ፡፡

ፀወታ እቲ ሊግ እንትቕፅል፤ ኣብ ተመሳሳሊ እታዲየም ኢትዮጵያ መድን ምስ መቻል ክራኸባ ኢየን፡፡

ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ድማ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ምስ ወላይታ ድቻ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment