ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንባህርዳር ከተማ 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።
ቀትሪ ሰዓት 7:00 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ፀወታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣቤል ያለው (ክልተ)ን ኣዲሱ ኣቶላን ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ።
ንባህር ዳር ከተማ ካብ ስዕረት ዘየድሐነት ብሕታዊት ሸቶ ድማ በረከት ጥጋቡ ኣመዝጊቡዋ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!