ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ ንዝቕፅል ሓይሊ ሰብ ዘጠናኽር ኢዩ – ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ ህፃናት ኣብቲ ዓውዲ ዝተወሰደ ንኢትዮጵያ ወሳኒ ቁልፊ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ኢዩ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፡፡

ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ ህፃናት ኣብ ትምህርቶምን ህይወቶምን ዕዉታት ንኽኾኑ ዘድልዮም ክእለትን ፍልጠትን ብምጭባጥ ንዘላቒ ትምህርቲን ንውልቀ ዓወትን መሰረት ዘንብር ኢዩ፡፡

ፅሬት ዘለዎ ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ ተበፃሕነት ንምስፍሕፋሕ፣ መምህራን ንምስልጣን፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ምቹው መምሀሪ ከባቢን ንምፍጣር ብትኹረት እናተስሐ ከምዝርከብ እቲ ቤት ፅሕፈት ፀሪሑ፡፡

ነዚ ድማ ብብርኪ ሃገር ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ምውዓል ናይ ህፃናት ኣቢያ ትምህርቲ እናተጣየሹ ከምዝርከቡ ኣልኪቱ፡፡

ኣገልግሎት ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ ኣብ ዘይተባፀሐሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ብምብፃሕ፤ ማዕርነት የረጋግጥ፣ ማሕበራዊን ዕቤት ኣተሓሳስባ የቀላጥፍ ዝበለ እቲ ቤት ፅሕፈት፤ ዕቤት ማሕበራዊን ኣተሓሳስባን ከምዘቀላጥፍ ገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ ህፃት ንዝቕጥል ሓይሊ ሰብ ከምዘጠናኽር ተሓቢሩ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዞም ፈላሞት ዓመታት ዕቤት ህፃናት ሃፍቲ ብምፍሳስ፣ ብርእሱ ዝተኣማመን፣ ዝበቕዐ፣ ንቁሕን ሰጓሚን ዝኾነ ትውልዲ ብምፍጣር ነዊሕ እዋን ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን እዕቤት እናቀላጠፈት ከምትርከብ ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment