ኣብ ዝኾነ መረፃ ንምስታፍ ከም መራፂ ብመራፂነት ምዝገባ ቅድመ ኩነት እዩ።
ሓደ ሰብ ብመራፂነት ንምምዝጋብ ዘብቅዑ ዘድልዩ ሰነዳት ብመረፃ ሕጊ ከከም ኣድላይነቱ ብቦርድ መረፃ ዝርዝር መምርሒ የቕምጡ፡፡
ሓደ ሰብ ብመራፂነት ኣብ ሓደ መረፃ ጣቢያ ምምዝጋብ ዝኽእል ሓንሳብ ጥራሕ እዩ! ነፍሲ ወከፍ ናቑጣ መረፃ ናይ ባዕሉ መዝገብ መረፅቲ ክህልዎ ይግባእ።
ሕጊ መረፃ ዓንቀፅ 18 ኣዋጅ ቁፅሪ 1162/2011 መሰረት ሓደ ሰብ ብመረፂ ክምዝገብ ዝኽእል፡-
• ኢትዮጵያዊ ዜጋ ተኾይኑ፣
• ኣብታ ዝተመዝገበሉ ዕለት ዕድሚኡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ክኸውን ከሎ
• ንምምዝጋብ ዝዘቀረበሉ መረፃ ክልል ቢያንስ ን6 ኣዋርሕ ዝተቐመጠ ጥራሕ እዩ።
ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብዘየገድስ ብስነ-ኣእምሮ ብቕዓት ዘይብሉን ብመሰረት ሕጊ ይኹን ብኻልእ ተግባራዊ ዝኾነ ሕጊ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተገደበን ናይ ምምራፅ መሰሉ ዝተገደበን ሰብ ከም መራፂ ክምዝገብ ኣይክእልን እዩ።
ምዝገባ መራፅቲ ብዝምልከት ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለዉ፤
• ምዝገባ መራፅቲ ኣብቲ ቦርድ ብዝወፅእ ውሱን ግዜ ጥራይ እዩ።
• ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልፀ ንሓርስቶት ከባቢታት ብዝተፈለየ ኩነታት እንተዘይ ኮይኑት ምዝገባ ዝካየድ መራፅቲ ዝነብሩሉ ቀበሌ ኣብ ዝተመስረተ ጠቢያ መረፃ ጥራሕ እዩ፡፡
ሓደ ሰብ ከም መረፃ ክምዝገብ ናብ ጣቢያ መረፃ ክኸይድ ከሎ እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ከምዘለዎ ከረጋግፅ ኣለዎ፤
1. ኣብቲ ተመዝጋቢ ዝነብረሉ መረፃ ጣብያ መንነቶም ዘረጋግፅ ናይ ቀበሌ መንነት ወረቐት ወይ ፓስፖርት (ዋላ እንተዘይተሓደሰ)፤
2. ናይ ቀበሌ መለለዪ ወረቐት ክቐርብ እንተዘይክኢሉ፣ ናይ ቀረባ ስእላዊ መታወቅያ ከም ፍቓድ መዘወሪ መኪና፣ መንበሪ ምስክር ወረቐት፣ ወተሃደራዊ ምፍናው ሰነድ፣ ናይ ቤት ትምህርቲ መለለዪ ወረቐት፤
ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዓሶም ክኢሎም ክምዝገቡ ዘይክእሉ ሰባት ምስ ተሓጋገዝቶም ብኣካል ክምዝገቡ ኣለዎም።
ብምርፃ ጥራይ!