ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ጎንፂ ዝፀንሐ ህዝቢ ትግራይ ብልዑል ፃዕሪ መንግስቲ ፌደራል ናብ ንቡር ሰላም እናተመለሰ ይርከብ።
ሎሚ ማልቲ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግስቲ ፌደራል ተመስሪቱ ኣሎ። እዚ ተግባር ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ዘሐጉስን ተስፋ ዝህብን ውሳነ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ጎንፂ ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንምፍታሕ ተደጋጋሚ ፃዕሪታት እኳ እንተተገበረ፤ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ክዕወት ኣይከኣለን።
ሰላም ዘይደሊ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝጀመሮ መዕነዊ ኲናት ብስዕረት ተዛዚሙ ኣሎ።
ህዝቢ ትግራይ እቲ ርሒቕዎ ዝፀንሐ ሰላም ክረክብ፣ ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ዘይረኸቦም ፍረታት ልምዓት ክረክብ ካብ ዕንክሊል ጎንፂ ክወፅእ ኣለዎ ብዝብል ሓሳብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግዚያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ብዝሃቦ ውሳነን ንቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብዝሃቦ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ንክልል ትግራይ ዘጠናኽር በዓል ሓደራ ምምሕዳር ፌደራል መንግስቲ ሎሚ ኣጣይሹ ኣሎ።
እዚ በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ንትግራይ ዘመሓድር ኮይኑ፤ ካብ ዘካይዶም ተግባራት እቲ ቀንዲ ሰላምን ምርግጋእን ክልል ትግራይ ምሕላው ቀዳማይ ተግባሩ ኮይኑ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት 9 ተግባራት እውን ከካይድ እዩ።
እዚ ውሳነ መንግስቲ መደመር ንኢትዮጵያ ብሓባር ንምልማዕ ዝጀመሮ ጉዕዞ ልምዓት ክልል ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ኣገዳሲ ምዃኑን ሓድነት ኢትዮጵያውያን ንልምዓት ሃገሮም ከም ዝሕግዝን ዘርኣየ ተግባር እዩ።
መደመር ማለት ናይ ባዕልኻ ወገን እናኣግለልካ ምስ ካልኦት ምትእስሳር ማለት ዘይኮነስ፤ ናይ ባዕልኻ ወገን ኣሳቲፍካ ምስ ካልኦት ብሓባር ምስራሕ ማለት ብምዃኑ፤ መንግስቲ መደመር ዝኽተሎ ዘሎ ኣንፈት ዘመልክት እዩ።
እዚ ውሳነ ሰላም እቲ ክልል ዝሕሉ፣ ዝተጀመሩን ዝተቛረፁን ስራሕቲ ልምዓት ዘቐፅል፣ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዘቀራርብ፣ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓሳት እቲ ክልል ዘነቓቕሕ፣ ናብራ ዜጋታት ዘመሓይሽን መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብንፁር ዘርኢን ሰናይ ተግባር እዩ።
ብእመቤት ሲሳይ