ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዲጂታል ምህዳር ኢትዮጵያ በቢዓመቱ 18 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር ዝውውር ዲጂታል ገንዘብ ይካየድ ኢሎም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
እቶም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ መበል ካልኣይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ክፍሊት ኢትዮጵያ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ ዲጂታል ኢኮኖሚ መሰረተ ልምዓት ኣብ ቀፃሊ ነዝስራሕ ሽግግር እቲ ዓውዲ ሓጋዚን ተደማሪ ዓቕሚን ኢዩ።
ካብ መንጎ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ብፋይዳ ታሴራ ዝተሰርሐ ስራሕ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምውዳድ ይህነፅ ንዘሎ ኢኮኖሚ ንዜጋታት ተሳትፎ ኣፍደገ በምዃን የገልግል ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዝወሃብ ዘሎ ዝተዋደደ ኣገልግሎት መርኣያ ዲጂታል ሽግግር ከምዝኾነ ገሊፆም።
ንስሉጥን ዘበናዊን ኣገልግሎት ኣብነት ከምዝኾነ እወን ሓቢሮም።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!