በዓላት መስቀልን ኢሬቻ ዝኽበረሎም ቦታታት ምቹዋትን ንፁህን ናይ ምግባር ስራሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓላት መስቀልን ኢሬቻን ዝኽበረሎም ቦታታት ምቹዋትን ንፁህን ናይ ምግባር ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ኤጀንሲ ምሕደራ ፅሬት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ።

ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ሸገርን ብሓባር ብምዃን ምስ ጎረባብቲ ከባቢታት ንዝመፅኡ ዕዱማት እቲ በዓል ዝሐሸ ኣቀባብላ ንምግባር ምድላው ከምዝገበሩ እውን ተሓቢሩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጄንሲ ገዛሀኝ ዴሲሳ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ÷ በዓላት ዝኽበረሎም ቦታታት ምቹውን ንፁህን ናይ ምግባር ስራሕ ተጀሚሩ።

በዚ ድማ ቢሮ ጥዕና ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሃንደበታዊ ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ከምኡ እው በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ሓዊሱ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፉሉ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ተኣቲዩ ኢሎም።

ንዕዱማት እቲ በዓል ዝሐሸ ኣቀባብላን ሰናይ እንግዶትን ንምግባር ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment