በዓል ልደት ናይ ወፃኢን ውሽጢ ሃገር ዕዱማት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ላሊበላ ብድምቀት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሓት ምእመናን፣ ናይ ወፃኢን ውሽጢ ሃገር ዕዱማት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ላሊበላ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎ፣ ደቡብን ወሎን ከሚሴ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስን ብፁዕ ኣቡነ ኤርምያስ ሓዊሱ ካልኦት ሊቃነ ጳጳሳትን ኣጋይሽን ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚሩ ክሳብ ስነ ስርዓት ቤዛ ኩሉ ተሳቲፎም።

ኣብቲ በዓል ዝተተኸቡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ፋንቱ ተስፋዬ÷ መንግስቲ ንውቑራት ኣቢያተ ክርስትያን ላሊበላ ሓለዋን ክንንክንን ብምግባር ዘበን ተሳጋሪ ንኽኾኑ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ታሪኻዊ ኻድጊታትን ክብሪታትን ኣብ ምሕላውን ምክንኻንን ብተወሳኺ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ንልምዓት ምትጋህ ይግባእ እውን ኢሎም።

ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም ስለሺ ግርማ ብግደኦም÷ መንግስቲ ሓድጊታት ካብ ምሕላውን ምክንኻንን ሓሊፉ ሓደሽቲ መስሕባት ብምልማዕ ንዕቤት ዓውዲ ቱሪዝም ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብዙሓት ሓድጊታት ኣብ ዩኔስኮ ሓድጊ ዓለም ክምዝገቡ ብምግባር ኣብቲ ዓውዲ ዝርከብ ረብሓ ንምዕባይ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ በዓል ልደት ኣብ ላሊበላ ብድምቀት ምኽባሩ እቲ ድጊ ንመላእ ዓለም ንምፍላጥ ዕዙዝ ረብሓ ኣለዎ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ።

Comments (0)
Add Comment