በዓል ልደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ሎሚ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ልደት 2025 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ሎሚ ይኽበር ኣሎ።

ብዙሓት ህዝብታት ዓመት መፅአ 25 ታሕሳስ ዓ.ም.ፈ. ነቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ፍሉጣት በዓላት ሓደ ዝዀነ በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ይፅንብሉ።

ብመሰረት እዚ እቲ በዓል ኣብ መላእ ዓለም ኣብ 150 ሃገራት ኢዩ ዝበኽር።

ኣብ ዓመታዊ ኣቈፃፅራ ንሰዓብቲ ክርስትናን ካልኦት እምነታትን እውን ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ።

እዚ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኣዝዩ ልሙድ እንትኸውን፥ ጎደናታት ብመብራህቲ፣ ኣግራብ ልደትን ሰልፊ ‘ሳንታ ክላውስን’ ሎሚ መዓልቲ ደሚቖም ኣለዉ።

ዕዳጋታት፣ ምርኢታት ከምኡ’ውን መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ንኣግራብ ልደት ሸሊሞም እቲ በዓል የብዕልዎ ምህላዎም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

መብዛሕትኦም ክርስትያናት በዓል ልደት ብ25 ታሕሳስ ከብዕሉ እንከለዉ፥ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያናት ግን 7 ጥሪ እዮም ዘብዕሉ።

ንኣብነት ኣብዝሓ ሰዓቢ እምነት ኦርቶዶክስ ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ ዝርከብ እንትኸውን፥ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ነቲበዓል የኽብርዎ።

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment