በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ሃዲያ “ያሆዴ” ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ሃዲያ “ያሆዴ” ኣብ ከተማ ሆሳእና ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)፣ሚኒስትር የሴቶደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፅኡ ተወለድቲ እቲ ብሄር ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ሃዲያ “ያሆዴ” ብምምልካት ትማሊ ስነ ስርዓት ኣተካና ኣብ ከተማ ሆሳእና ከምዝተኻየደ ይዝከር፡፡

ብፌቨን ቢሻው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment