በዓል መውሊድ እንትኽበር ብዝተለመደ ባህሊ ምርድዳእ ክኸውን ይግባእ – ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤምሲ) መበል 1 ሺሕን 500 በዓል መውሊድ እንትኽበር ብዝተለመደ ባህሊ ምርድዳእ ክኸውን ይግባእ ኢሉ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፡፡

እቲ ጉባኤ ንሰዓብቲ እምነት እስልምና እንዃዕ ንመበል 1 ሽሕን 500 መውሊድ ነብዩ መሓመድ ሰ.ዓ.ወ) በዓል እንዃዕ ኣብፅሐኹም ብምባል ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ፡፡

ናይ ሎሚ ዓመት መውሊድ ኣብ ማእኸል ክልተ ዓበይቲ ጉዳያት ዝኽበር ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ ዝበለ እቲ ትካል፤ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስላማዊ ኢትዮጵያን በቢብርኩ ዝርከቡ ትካላት ብመረፃ ተካይዱ ናብ መዛዘሚኡ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን ምኽባሩ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ካልእ ድማ ዓንዲ ሓድነትናን ምልክት ሓድነትናን መርኣያ፣ፃዕርን፣ ፅንዓትን ምትሕብባርን ኣብነት ምልክት ዝኾነ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ግዘ ምረቀኡ ብሃንቀውታ ኣብ ንፅበየሉ ሰሙን ምኽባሩ ክብል ገሊፁ፡፡

መበል 1 ሽሕን 500 በዓል መውሊድ እንትኽበር ብዝተለመደ ኢትዮጵዊ ባህሊ ምርድዳእ ክኸውን ይግባእ ክብል ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብፋላይ ንዝሓመመን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝርከቡ ወገናት ብምጥቕን ብምብርትታዕን፤ ኣብ ዝተፈላለየ ፀገማት ዘለው ወገናትና እቲ በዓል ብሓጎስን ብደስታን ምኽባር ንክኽእሉ ዘለና ብምኽፋል ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቡ፡፡

እቲ በዓል እንትኽበር ሃገርና ሰላም፣ ንህዝብና ሓድነትን በረኸትን ልባዊ ፀሎት ብምግባር ክኽበር ይግባእ ኢሉ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment