ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብዓወት ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ቀሪቡ፡፡
እቲ በዓል ብኣተሓባባራይነት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብኣሰናዳኣይነት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ብድምቀት ተኸቢሩ ዝተዓለመሉ ዕላማ አዕዊቱ ከምዝተዛዘመ ኣይተ ኣገኘሁ ገሊፆም፡፡
በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ህብረብሄራዊ ሓድነትን ምትእስሳር ህዝቢታትን ብዘጠናኽር መልክዑ ብዝተፈላለዩ መደባት ብድምቀት ከምዝተኸበረ ኣዘኻኺሮም፡፡
ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፀጋታት፣ መስሕባት ቱሪስት፣ ምቹው ቦታታት ኢንቨስትመንት፣ ማሕበራዊን ባህላዊን ሃፍቲታት ኣሰናዳኢት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብስፍሓት ምፍላጥ ከምዝተኽኣለ ምግላፆም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር እቲ በዓል ብዓወት ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንበርከቱ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ህዝቢን መንህስቲን ክልል ደቡብ፣ ንኹሎም ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ሰብ ሞያ ሚዲያን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡