ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 20 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብዓወት ንኽኽበር ኣድላዪ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ተወጊኑ፡፡
መበል 20 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን፤ ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ከተማ ሆሳእና ካብ 25 ክሳብ 29 ሕዳር 2018 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ፡፡
ኣባላት ዓብዪ ኮሚቴ ፀፅታን ድሕንነትን እቲ በዓል ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣፈ ጉባኤ ቤተ ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ተዛቲዮም፡፡
ኣብቲ እዋን ድማ እቲ በዓል ብዓወት ንኽኽበር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ዓብዪ ኮሚቴ ፀፅታን ድሕንነትን በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብዕዉት ኩነታት ተኸቢሩ ንኽቕፅል ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም፡፡
እቲ በዓል ህብረብሄራዊ ሓድነት ብዝሓለወ መልክዑ ንኽኽበር ዝግበር ሓፈሻዊ ተግባር ብግቡእ ኩነታት ምድጋፍ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
እቲ ኮሚቴ ክሳብ ሕዚ ንዝወገኖም ውፅኢታዊ ቅድመ ምድላው ብምምስጋን÷ እቲ በዓል ብድምቀት ንኽዛዘም ዓውዲ ፀፅታ ዝተለመደ ምትሕብባሩ ንኽገብር ሓቲቶም፡፡
ኣባላት እቲ ኮሚቴ ብግደኦም÷ እቲ በዓል ንህንፀት ምስሊ ኢትዮጵያ፣ ንምንቕቓሕ ኢኮኖሚ፣ ንሓድነት ህዝቢታትን ምትእስሳር ንምጥንኻርን ግድኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ስነ ስርዓት ምኽባር እቲ በዓል ብዓወት ንኽዛዘም እኹል ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ምርግጋፆም እውን ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን እቲ ቤት ምኽሪ ተረፈ በዳዳ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!