ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር በዓል መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብሄራዊ ምርድዳእ ዘምፅእ ኢዩ ኢሎም።
መበል 20 በዓል ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ‘ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት’ ብዝብል መሪሕ ቃል ክኽበር ኢዩ።
መሪሕ ቃል እቲ በዓል ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ ትንተና ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ከምዝገለፁ፤ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ሕውነት ኣጠናኺ ዘቐፅል ኢዩ።
ኩሎም ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ማዕረ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኮይኖም ሃገሮም ክሃንፁ ኢዮም ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት እቲ በዓል እንትኽበር ብሄር ብሄረሰባት መንነቶም ንኽዲገልፁን ናይ ካሊእ መንነት ክሪኡን ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
እቲ በዓል ዝኽበረለን ክልላት ብምኽንያት እቲ በዓል ኢንቨስትመንት ንኸስፋሕፍሓ ልዑል ዕድል ከምዝፈጠረለን እውን ኣብሪሆም።
መዓል ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያውያን ሓድነቶም ንምጥንኻር ዝዝትዩሉ መድረኽ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።
መበል 20 በዓል ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብኣተሓባባራይነት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ብኣሰናዳእነት ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያን ኣብ ከተማ ሆሳእና 29 ሕዳር 2018 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!