በዓል ስቕለት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ስቕለት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፀሎት፣ ስግደትን መዝሙርን ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልደት ማርያም ካቶሊካዊት ካቴድራል ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ኮይኑ፤ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፊኤል ሓዊሱ ኣቦታ ሃይማኖትን ሰዓብቲ እምነትን ዝሳተፍሉ እዩ።
ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፊኤል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ጎኑ ዝተሰቐለ ሰራቒ ይቕረ ኢሉ ናብ መንግስተ ሰማያት ዘብፅሖ ክርስቲያን ይቕረ ብምባልን ብፀሎትን ነታ መዓልቲ ክዝክሩ ይግባእ ኢሎም።
ብቅድስት ብርሃኑ
Comments (0)
Add Comment