በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ባህላዊ ክብሪታቱ ሓልዩ ብምቀት ተኸቢሩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ባህላዊ ክብሪታቱ ሓልዩ ኣዚዩ ብዝደመቐን ብዝወቀበን ኩነታት ተዛዚሙ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
እቲ በዓል ህዝቢ ኦሮሞ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሓት ብሄር ብሄረሰባት፣ በፃሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ተመራመርቲ ባህሊን ታሪኽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብፍሉይ ኩነታት ፍፁም ሰላማዊ ኮይኑ ተዛዚሙ ኢለን።
ብልምዓት ኮሪደርን ልምዓት ወሰን ሩባን ዝወቀበት ኣዲስ ኣበባ ንናይ ኣደባባይ ክብረ በዓላት፣ ንዕዱማት እቲ በዓልን ካብ መላእ ዓለም ንዝመፅኡ ቱሪስታት ተወሳኺ ድምቀትን ምቾትን ከምዝኾነት ፀሪሐን።
እቲ በዓል ኣዚዩ ብዝወቀበ፣ ድሙቕን ሰላማዊን ብዝኾነ መልክዑ ክብሪታቱን ትውፊቱን ሓሊዩ ክዛዘም ንዝገበሩ ኣካላት፣ ብፍላይ ንነበርቲ እታ ከተማ ምስጋና ኣቕሪበን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment