ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ኢሬቻ መስከረም 24 ኣብ ሆራ ፊንፊኔ 25 መስከረም 2018 ድማ ኣብ ሆራ ሃርሰዲ ክኽበር እዩ።
ሕብረት ኣባገዳታት ኦሮሞ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ÷ በዓል ኢሬቻ ናይ ምስጋና፣ ሓድነት፣ ፍቕርን ዕርቂን በዓል ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ስለዝኾነ ሕብረተሰብ በዓል ኢሬቻ እንተኽብር ባህሊን ክብርታትን ኦሮሞ ብዝሓለወ መልክዑ ክኸውን ከምዘለዎ ኣረዲኦም፡፡
ናይ ሎሚ በዓል ኤሬቻ 24 መስከረም ኣብ ሆራ ፊንፊኔ 25 መስከረም 2018 ኣ.ም ድማ ኣብ ሆራ ሃርሰዲ ክኽበር ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!