ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 1ሺሕን 446 ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) በዓል ምኽባር ተጀሙሩ፡፡
እቲ በዓል ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት እናተኸበረ ይርኸብ፡፡
ኣከባብራ እቲ በዓል ሶላትን ተክቢራን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ኣብ ምኽያድ ይርከብ፡፡
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ እቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ናይ እንዃዕ ኣብፅሐኹም መልእኽቲ ኣሕሊፎም፡፡
ህዝበ ሙስሊም ዓረፋ በዓል እንተኽብር እምነቱን ኣስተምሮን ብምኽታልን ብምትግባርን ክኾን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ነቢዩ መሓመድ ኣብ ኣስተምህሮ መዓልቲ ዓረፋ ካብ ኩሉ ዝዓበየት ምዃና ምባሎም ብምዝኽኻር፤ በዓል ዓረፋ ጎቦታት ደው ክንብል ዘይከኣልና ኣመንቲ ኣብ ዘለናሉ ዱኣ ብምግባር ሰናይ ትምኒት ሓዊሱ ክነመሓላልፍ ይግባእ፡፡
ስለዝኾነ እቲ በዓል ብሓድነት፣ ብምርድዳእን ንዝተፀገሙ ወገናት ብምድጋፍ ምኽባር ክምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
Facebook FBC Tigrigna
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana