ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሐጂ ኢብራሂም ቱፋ በዓል ዓረፋ እንትነኽብር ናይቲ እምነት ኣስተምህሮ ብምክታልን ብምትግባርን ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡
ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ መበል 1 ሺሕን 446 ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) በዓል ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ናይ እንዃዕ ኣብፀሐኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣብ መልእኽቶም ህዝበ ሙስሊም በዓል ዓረፋ እንተኸብር ናይቲ እምነት ኣስተምህሮ ብምክታል ብምትግባር ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ነቢይ ሙሓመድ ብዘምሀሮም መዓልቲ ዓረፋ ካብ ኩሉ ዝዓበየት ምዃና ብምዝኽኻር፤ ብዓረፋ ጎቦታት ጠጠው ክነብል ዘይከኣልና ኣመንቲ ኣብ ዘለውዎ ዱኣ ብምግባር ሰናይ ትምኒት ብምምናይ እውን ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡
እቲ በዓል ኣብ ገዛን ኣብ ኣደባባያትን ብእስላማዊ ስነ ምግባር ክነኽብሮ ይግባእ ክብሉ ምልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ዒድ ኣል-ኣድሓ (ዓረፋ) ድሕሪ ፅባሕ ዓርቢ ጀሚሩ ዝኽበር ምዃኑ ብምግላፅ÷ ብሓድነት፣ ብምርድዳእን ዝተፀገሙ ወገናት ብምድጋፍ ምኽባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ብመራኦል ከድር