ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተክህነት፣ ሊቀ ጳጳስ ደቡብ ምዕራብ ሸዋን ሸገር ከተማን ኣህጉረ ስብከት ብፁእ ኣቡነ ሳዊሮስ በዓል ጥምቀት መንፈሳዊ ስርዓቱ ብዝሓለወ መገዲ ክኽበር ይግባእ ኢሎም።
ብፁእ ኣቡነ ሳዊሮስ በዓል ጥምቀት ጠሚቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምእመናን ሰላም፣ ፍቕሪን ሓድነትን ዝሰብኩ ተግባራት ብምክያድ እቲ በዓል ከኽብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ በኣለ ጥምቀት ዝተመስረተ ናይ ጥምቀት ሚሽጢርን ካብ ጥምቀት ዝርከብ ናይ ቁልዕነት ፀጋን ብምሕሳብ ምኽባር ይግባእ እንትብሉ እውን ኣቦኣዊ መለእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ሰባት ብሓሳብ ዝፈላልዩን ምስ መንፈስ እቲ በዓል ዝጋጨዉን መልእኽቲታትን ምልክታትን ከምኡ’ውን ዓርማታት ምጥቃም ከምዘይግባእ እውን ኣገንዚቦም።
ምእመናን ሰናይ ክብሪታት ብዝሓለወ መገዲ ነቲ በዓል ንከኽብሩ ፃውዒት ብምቕራብ ናይ ሰላምን በረከትን ንክኸውን ቡራኬ ሂቦም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ