ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኤቫሪስት ንድዪሺሚዬ ንኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ 2026 ኮይኑ ተመሪፆም።
መበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ “ዘላቒ ምርግጋፅ ማይን ኣተሓሕዛ ስርዓት ፅሬት፤ ምዕዋት ዕላማታት ኣጀንዳ 2063” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብቲ እዋን ቡሩንዲ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ 2026 ብዕሊ ዝተረኸበት እንትኾን፤ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኤቫሪስት ንድዪሺሚዬ ምስ ኣንጎላ መዘንኦም ዣዎ ሎሬንሶ ርክክብ ብምግባር ስርሖም ጀሚሮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!