ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣሰናዳእነት ሞሮኮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ 2025 ቡርኪና ፋሶ ንኢኳቶሪያል ጊኒ 2 ን 1 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።
ቀትሪ ሰዓት 9:30 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ኤድመንድን ታፕሶባን ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ።
ባሲሊዮ ንዶንግ ብዝሰርሖ ጥፍኣት ብቀይሕ ካርዲ ዝተሰናበታ ኢኳቶሪያል ጊኒ፤ ማርቪን ኣኒየቦህ ብዘመዝጋባ ሸቶ እናመርሐት ፀኒሓ ኣብ ውዱእ ሰዓት ብዝተቆፀራ ሸቶ ዘሕዝን ስዕረት ኣተኣናጊዳ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!