ቡርኪና ፋሶ ንኢኳቶሪያል ጊኒ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣሰናዳእነት ሞሮኮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ 2025 ቡርኪና ፋሶ ንኢኳቶሪያል ጊኒ 2 ን 1 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።

ቀትሪ ሰዓት 9:30 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ኤድመንድን ታፕሶባን ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ።

ባሲሊዮ ንዶንግ ብዝሰርሖ ጥፍኣት ብቀይሕ ካርዲ ዝተሰናበታ ኢኳቶሪያል ጊኒ፤ ማርቪን ኣኒየቦህ ብዘመዝጋባ ሸቶ እናመርሐት ፀኒሓ ኣብ ውዱእ ሰዓት ብዝተቆፀራ ሸቶ ዘሕዝን ስዕረት ኣተኣናጊዳ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment