ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ) – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ባህሊ ዘተናን ይቕሬታናን ኢትዮጵያ ክትፀንዕ ዓቢ ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተረኽቡሉ መርሓ ግብሪ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ብዕሊ ተጀሚሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ’ቲ መርሓ ግብሪ ኣብ ዘቕረብዎ መልእኽቲ፥ ዝኾነ ጉዳይ ኣብ ውሽጥና እንተ ኣካራኸረና እውን ከምዚ ብዝኣመሰለ መድረኽ ዘተ ፀገማትና ክንፈትሕ ይግባእ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ፀኒዓ ክትቅፅል ዘኽኣላ ምስጢር ሽምግልና፣ ዘተ፣ ይቕሬታን ካሕሳን ዝብሉ ባህላዊ መትከላት ምዃኖም ገሊፆም።
እዞም ክብርታት ሳይንስ ብቐሊሉ መርሚሩ ወይ ፈቲሹ ክትክኦም ዘይኽእል፣ ዓሚቝ ሃብትን ተመኩሮን ምዃኖም ኣረዲኦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ጎንፂ እንተተፈጢሩ፥ ብዘተን ብይቕሬታን እዩ ዝፍታሕ፤ እዚ ባህሊ ዘተናን ይቕሬታናን ኢትዮጵያ ኣፅኒዕዋ እዩ ኢሎም።
እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ፥ ኣብ ባህሊ ዘተናን ይቕሬታናን ዝተመርኮሰ እንተኾይኑ ንዓና ጥራይ ዘይኮነስ ንዝመፅኡ ብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሕ ፅኑዕ መሰረት ክነብር የኽእል እዩ ኢሎም።
ካብ ባህልና፣ ካብ መንነትናን ካብ ታሪኽናን ከይተፈለና ብፍቓድናን ብፍቕርን ብስምዒት ሓላፍነትን እዚ ዘተ እንተ ኣካይድናዮ ብዘይ ጥርጥር ደቅና ዝማዕበለትን ዝፀንዐትን ኢትዮጵያ ክወርሱ ይኽእሉ ኢዮም ኢሎም።
ብትዕግስት ግዛቸው