ባህላዊን ሃይማኖታዊ ክብሪታትና መርኣያ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ኢዮም።
ብዙሕነትን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን መግለፂኣ ዝኾነት ኢትዮጵያ ወናኒት ምዝዛም ክረምቲ ዘብስሩ ትውፊታት ኢያ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ደናግል ጎራዙ ናብ ኣደባባይ ብመውፃእ ዘስመዐኦም ህብረ ዝማሬታት ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ምዝዛም ክረምቲ፤ ምውቃብ ዕምበባ ጎቦታት፣ ምፅራይ ፍልፍላትን ምፍራይ ዝራእቲን የበስራ።
ካብ ሞንጎ እዞም ባህላዊን ሃይማኖታዊን ፍፃመታት ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ንመዓልቲታት ብድምቀት ዝኽበርነን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብተቐራራቢ ኣሸንዳ፣ ሻደይ፣ ኣሸንድዬን ሶለልን ብዝብሉ መፀውዒታት ዝፍለጥ በዓል ተፀራሒ ኢዩ። እቲ በዓል ኣብ ዝተፈላዩ ከባቢታት ብዝተፈላዩ ትውፊታዊ ኣመፃፅኣታት ብዝተቐራረበ ትሕዝቶ፣ ብተመሳሳሊ ግዘ፣ ብፍላይ ባህላዊ ህብረ ዝማሬታት ብደቂ ኣንስትዮ ዝኽበር ናይ ናፅፃነትን ናይ ኣደባባይን በዓል ኢዩ። እዚ በዓል ንርክብን ምትእስሳርን ጎረባብቲ ህዝቢታት ብዘጎልብት መልክዑ ምኽባር፣ ምሕላውን ናብ ወለዶ ምትሕልላፍን የድሊ።
እዚ በዓል ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ይምፃእ እምበር ብግቡእ ተሓልዩ ሓደ ናይ መስሕብ ሃፍቲ ንኽኸውን ተወሳኺ ስራ ይደሊ። ካብዚ ብተወሳኺ ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ምስ ዝኽበሩ ዝተፈላለዩ በዓላት ብምትእስሳር ህብረ ብሄራዊነት ብዝሃንፅ መልክዑ ምስራሕ ይሓትት።
በዓላት መዓልቲታት ጳጕሜን፣ በዓል ሓዱሽ ዓመት፣ በዓላት መለወጢ ዘበን ዝተፈላለዩ ብሄራትን ብሄረሰባትን፣ በዓል መስቀል ከምኡ እውን በዓል ኢሬቻ ብቐረባ ዝስዕቡ በዓላት ብምዃኖም ዝበለፀ ንበፃሕቲ ፃንሒቶም ንምንዋሕ ዕዙዝ ግደ ክፃወቱ ኢዮም። ብምዃኑ ድማ ብዝተለመደ ባህላዊን ሃይማኖታዊ ክብርታቶም መሰረት ብምግባር ብድምቀት እናተኸበሩ ንምንቕቓሕ ዓውዲ ቱሪዝም ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ መንግስቲ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ሓገዝ ክገብር ኢዩ።
እንኳዕ ንበዓል ኣሸንዳ/ሻደይ/ኣሸንድዬ/ሶለል ኣብፀሐኩም!
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ