ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)“ማድዓ” ማሕበረሰብ ዓፋር ንኹ ዝሓቁፍ መተሓዳደሪ ማዕቐፍ እንትኸውን ኣብ ውሽጢ ምንቅስቓስ እቲ ማሕበረሰብ ዓሚቕ ቦታ ዝወሃቦ ዝተፃለአ ዘተዓርቕ ክብሪ ሓድነት ዝኾነ ባህላዊ ስርዓት ዳይነት ኢዩ።
ባህላዊ ክብሪ ዓፋር ዝኾነ “ማድዓ” ብዘበናዊ መልክዑ ካም ምጥቃም ንላዕሊ ብሳይንሳዊ መፅናዕቲ ዝተደገፈ ኮይኑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ንምምዝጋብ ዝዓለመ ሃገራዊ ኮንፍረንስ ኣብ ከተማ ሰመራ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ማድዓ ጎድና ጎድኒ ስሩዕ ኣገልግሎት ሕጊ ብህዝቢ ዓፋር ልዑል ተቐባልነት ዘለዎን መንግስቲ እውን ኣፍልጦ ዝሃቦን ባህላዊ ስርዓት ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ቀንዲ ሸቶ ማድዓ ንሰብ ምቕፃዕ ጥራሕ ዜኮነስ፣ ተበዳሊ ካሕሳ ክረክብ ምግባርን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘላቒ ሰላም ምውራድ ብምዃኑ ንወለዶ ምስጋር ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡
ኣብቲ ኮንፍረንስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስታት ኢትዮጵያ ጅቡቲን፣ መራሕቲ ዓሌት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ኣቦት ማደዓ ዓፋርን ተመራመርቲ እቲ ዓውዲን ተረኺቦም።
ብሃይለኢየሱስ ስዩም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!