ባህር ዳር ከተማ ንመቻል ስዒራታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 14 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ግብር ባህርዳር ከተማ ንመቻል 2 ን 1 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡

ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ባህርዳር ከተማ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ፍቅረሚካኤል ኣለሙን ግርማ ዲሳሳን እንተመዝግቡ፤ ብሕታዊት ሸቶ መቻል ድማ መሓመድ ኣበራ ኣመዝጊቡዋ።

መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ካብ ሰዓት 10 ጀሚሩ ፋሲል ከነማን ኢትዮጵያ ቡናን ኣብ ተመሳሳሊ ስታዲየም እናተፃወታ ይርከባ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ካብ ሰዓት 9 ጀሚሩ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ምስ ሃዲያ ሆሳእና እናተፃወታ እንትርከባ፤ ምሸት ሰዓት 12 ወላይታ ድቻ ምስ ኢትዮጵያ መድን ክራኸባ ኢየን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment