ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ባርሴሎና ምስ ፒኤስጂ ዝገብረኦ ፀወታ ብሃንቀውታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ሓያላት ጋንታታት ዓለም እዚ እዋን ባርሴሎናን ፒኤስጂን ኣብ ኤስታዲ ኦሊምፒክ ዝገብረኦ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ሉዊስ ኤነሪኬ ንነበር ጋንትኡ ብተፃራሪ ክገጥም ኢዩ፡፡
ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ዝካየድ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ብወገን ፓሪሳዊት ጋንታ ከም ኦስማን ዴምቤሌ፣ ዴዚሪ ዱዌ፣ ክቫራስኬሊያን ማርኪንዮስን ዝበሉ ቁልፊ ተፃወትቲ እታ ጋንታ ኣይስለፉን፡፡
ቅድሚ እዚ ፀወታ ምሸት ሰዓት ለ፡45 ካራባግ ምስ ኮፐንሃገን፣ ከምኡ እውን ኡኒየን ሴንት ጊሎሴ ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ብዝገብረኦ ፀወታ መርሃግብሪ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ እዚ ዕለት ክጅመር ኢዩ፡፡
ሎሚ መዓልቲ ትፅቢት ዝግበረሎም ካልኦት ፀወታታት ኣርሰናል ምስ ግሪካዊት ጋንታ ኦሎምፒያኮስ፣ ባየር ሊቨርኩሰን ምስ ፒኤስቪ፣ ቦሩሺያ ዶርቱመንድ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ፣ ሞናኮ ምስ ማንቼስተር ሲቲ፣ ናፖሊ ምስ ስፖርቲንግ ሊዝበን ከምኡ እውን ቪያሪያል ምስ ዩቬንቱስ ክራኸባ ኢየን፡፡
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ሻምፒዮንስ ሊግ ሊቨርፑል ብጋላታሳራይ 1 ን 0 ስዕረት ዘተኣናገደት እንትትከውን፥ ሪያል ማድሪድ ንጋንታ ካዛኪስታን ካይራት 5 ን 0፣ ቼልሲ ንቤኔፊካ 1 ን 0 ስዒረን፡፡
ባየርን ሙኒክ ንፓፎስ ከምኡ እውን ኣትሌቲኮ ማድሪድ ንኢንትራክት ፍራንክፈርት ብተመሳሳሊ 5 ን 1 እንትስዕራ፥ ኣታላንታ ንክለብ ብሩገ 2 ን 1፣ ኢንተርሚላን ንስላቪያ ፕራጋ 3 ን 0፣ ማርሴ ንኣያክስ 4 ን 0 ስዒረን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!