ባቡር ኢትዮ ጅቡቲ መርኣያ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኢዩ- ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባቡር ኢትዮ ጅቡቲ መርኣያ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)።

“መሰረተ ልምዓት ባቡር ንንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ፓናል ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ፣ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ ጂቡቲ ታከለ ኡማ፣ ተወከልቲ ጅቡቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፥ባቡር ኢትዮ ጅቡቲ መርኣያ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኢዩ ኢሎም።

ብትራንስፖርት ባቡር ንኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንምዝማድ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ብግደኦም፥ ወደብ ጅቡቲ ዓቕሚ ምልዓል ፅዕነት ክብ ዘብል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ናፃ ንግዲ ቀጣና ኣፍሪካ እውን ከምዘሳለጥ ኣብሪሆም።

ብቅድስት ኣባተ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment