ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንመሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ካፒታል ዕዳጋ ንምፍጣር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንመሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ካፒታል ዕዳጋ ንምፍጣር ዝውዕል 400 ሺሕ ዶላር ደገፍ ኣፅዲቁ፡፡

እቲ ደገፍ ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዝመሓደር ልምዓት ካፒታል ዕዳጋ ብወገንድ ትረስት ፈንድ ምስ ዝተፈላለዩ ውሃብቲ ኣካላት ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ላዕለዋይ ኣማኻሪ በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣሰፋ ሱሞሮ ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፅዎ፤ ደገፍ ንህዝቢን ካፒታል ዕዳጋ ተዋሳእቲ ሓበሬታ ንምብፃሕ ዘኽእሉ መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ንምጥንኻር ይውዕል ኢሎም።

እዚ ግልጋሎት ውሃብቲ ዕዳጋ ካፒታል ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ንህዝቢ፣ ንሰብ ሃፍቲን ካልኦት ዓውዲታትን ተዋሳእቲ ተበፃሒ ንምግባር የኽእል ኢሎም፡፡

እቲ በዓል መዚ ምስ ባንኪ ልምዓት ዘለዎ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሮም፡፡

ኣብ 2019 ዓ.ም.ፈ ኣብ ትሕቲ ኣፍሪካ ልምዓት ዝተጣየሸ ትራስት ፋንድ ልምዓት ዕዳጋ ካፒታል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ንዝርከባ ትካላት ዕዳጋ ካፒታል ክድግፍ ፀኒሑ፤ እቲ ባንኪ ክሳብ ሕዚ ን16 ሃገራት ኣፍሪካ 6 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ከምዝገበረ ካብቲ ባንኪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment