ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ልዕሊ 27 ቢሊየን ብር ስምምዕነት ልቓሕ ተፈራሪሞም፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ፊርማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ከምዝበሉዎ፤ እቲ መገዲ ኣየር ብብርኪ ዓለም ልዑል ቦታ ዘለዎ ክኸውን ኣብ ምግባር ግደ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ልዑል ኢዩ፡፡
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ንሰራሕተኛታቱ 1 ሺሕነ 200 ኣባይቲ ብምህናፅ ከምዝረከበ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን 5 ሺሕ ኣባይቲ ኣብ ምህናፅ ይርከብ ኢሎም።
እዚ ህንፀት ኣባይቲ ንኽዕወት ሎሚ መዓልቲ ምስ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ልቓሕ 27 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ከምዝተፈረመ ኢዮም ገሊፆም።
እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ንነዊሕ ዓመታት ዝዘለቐ ምትሕብባር ክልቲኦም ትካላት ናብ ዝለዓ ደረጃ ዘብፀሖም ከምዝኾነ እውን ሓሮቢሮም።
ተወካሊ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ምክትል ፕሬዚዳንት ኤክስኪዩቲቭ ኮርፖሬት ኣገልግሎታትን ኤፍሬም መኩሪያ ብግደኦም፤ እቲ ባንኪ ኣገልግሎት ልቓሕ እኹል ደረጃ ተበፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
ብፍላይ ድማ ሃገር በቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣገልግሎት ልቓሕ ንመሃብ ምቹው ምህዳር ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም፡፡
ብዮናስ ጌትነት