ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዓውዲ ውልቀ ካብ ዘቕረብዎም ሕቶታት ሸርፊ ወፃኢ ውሽጢ 505 ብምፅዳቕ 121 ሚሊየን ዶላር ፈቒዱ።
እቲ ባንኪ ካብ መንጎ ዝቐረቡ ሕቶታት 81 ሚኢታዊ ንዝኾኑ ሕቶታት ምላሽ ብምሃብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሸርፊ ወፃኢ ንዝተፈላለዩ ድልየታት ምፍቃዱ ገሊፁ።
እቲ ባንኪ፥ ከም ዘበናዊ ዱኽዒ፣ ነዳዲን ካልኦት ክፍሊታት ኣታዊን ኣገልግሎትን ድልየታት በቢዕለቱን ብስሩዕ ካብ ዝገብሮ ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ተወሳኺ ኢዩ ኢሉ።
እቲ ምፍቃድ ሸርፊ ወፃኢ ምስ ድልየት ዓማዊልን ስትራቴጂካዊ ቀዳምነትን ብምጥዕዓም ብስሩዕ ምላሽ ከምዝህብ እቲ ባንኪ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!