ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት እስያ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምስራሕ ተሰማሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት እስያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ህንፀት መሰረተ ልምዓት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተሰማሚዑ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት እስያ ዙ ዥያይ ኣብ ዓውዲ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ብሓባር ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ዛዕባታት ተዛትዮም።

ብፍላይ እቲ ባንኪ ኣብ ፕሮጀክት ህንፀት ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ተሳትፎ ከምኡውን ብዛዕባ ካልኦት ኣንፈታት ምትሕብባር ከምዝተዘራረቡ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እቲ ባንኪ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክታት ሓይሊን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዘለዎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምኡውን ንኢትዮጵያ ተመጣጣኒ ዝኾነ ቀረብ ፋይናንስ ተበፃሒ ክገብር ዝኽእለሉ ጉዳያት ተዛትዮም።

ኣብቲ እዋን ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሻት ዘለዎም ከይዲ ኣፈፃፅማ ከምኡውን መንግስቲ ሃኒፁ ዝዛዘሞም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ንኢኮኖሚ እታ ሃገር ይገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ፕሬዚዳንት ባንክ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት እስያ ዙ ዥያይ ብወገኖም ኢትዮጵያ ነቲ ቀጣና ብልምዓት ሓይሊ ንምርኻብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪን ግደ መሪሕነታን ንኢደን።

Comments (0)
Add Comment