ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ዓለም ሸቶታት እዚ ቀጣና ካብ ሽርክና ኢትዮጵያ ወፃእ ክዕወቱ ኣይኽእሉን ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣብ ቀጣና ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ንዲያሜ ዲዮፕ።
ንዲያሜ ዲዮፕ ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት እተካይዶም ፕሮጀክትታት ውፅኢታዊነት ዝተባባዕ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዑደቶም ከምዝገበሩ ብምግላፅ፥ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ዝ|ተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ምዝታዮም ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ኩነታት ምልዛቦም ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ቁልፊ ስትራቴጂክ መሻርኽቲ ባንኪ ዓለም ኢያ ብምባል፥ ቀጣናዊ ሸቶታት እቲ ባንኪ ብዘይካ ሽርክና ኢትዮጵያ ክዕወቱ ከምዘይኽእሉ ኣገንዚቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘሎ ሃገር ቦቆል ማክሮ ኢኮኖሚ ጭቡጥ ውፅኢት የምፅእ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ እቲ መመሓየሺ ንዝተዓለመሉ ሸቶ ንክወቅዕ ባንኪ ዓለም ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲታት ግብርና፣ ሎጂስቲክስን ወዘተ ንኢትዮጵያ ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ብመላኩ ገድፍ