ባንኪ ዓለም ብዓውዲ ሎጂስቲክስ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ዓለም ብዓውዲ ሎጂስቲክስ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ቀጣና ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ባንኪ ዓለም ንዲያሜ ዲዮፕ፡፡

ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ደገፍ 240 ሚሊየን ዶላር ዝካየድ ዘሎ ህንፀት መስፋሕፍሒ ማእኸል ሓምለዋይ ሎጂስቲክስ ሞጆ ኣብ ቀረባ እዋን ክምረቕ ኢዩ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ በዓል መዚ ማሪታይም ባንኪ ዓለምን ኢትዮጵያን እቲ ህንፀት ዝበፅሐሉ ብርኪ ተዓዚቦም።

እቲ ህንፀት ብመኘሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ኣብ ምኽንባት ብምህላዉ ምርኣዮም ከምዘሐጎሶም ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ንዓውዲ ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፥ እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብዚ ቀጣና ዘለዋ ተወዳዳሪነት ክብ ከምዘብል ገሊፆም።

ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ማሪያም ሳሊም ንፋና ዲጂታል ከምዝበልኡ፥ ባንኪ ዓለም ብዓውዲ ሎጂስቲክስ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment