ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ጎድና ጎድኒ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ተዛቲዮም፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሓዊሱ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፣ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ተክለወልድ ኣጥናፉ ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘካተተ ልኡኽ ተሳቲፎም፡፡
ኣይተ ኣህመድ ኣብቲ እዋን÷ እቲ ባንኪ ንልምዓት ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ዘለቒን ኩለመዳይ ሓገዝን ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ጭቡጥ ለውጢታት ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር እቲ ሪፎርም ጥንኩር ዕቤት ኢኮኖሚ ምምፃእ ሓዊሱ ዝሐሸ ክዙን ሸርፊ ወፃኢ ክህሉ ከምዝገበረ፣ ምርግጋእ ምኽባር ናብራ ከምዘምፀአን ወፃኢ ንግዲ ከምዘዕበየን ኣብሪሆም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ልምዓ ሓይሊ ሰብ፣ ዕቤት ዘፈር ውልቀን ዞባዊ ምትእስሳር ኣብ ዝበሉ ጉዳያት ቅድሚት ብመሃብ እናሰርሐ ከምዝኾነ እው ኣልዒሎም፡፡
ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ብግደኦም÷ ታሪኻዊ ንዝኾነ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ንምዕዋት ኣመራርሓ ንዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናእዳኦም ብምግላፅ፤ እቲ ሪፎርም ዕቤት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ከምዘቀላጥፍ ኣመልኪቶም፡፡
ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ብሄራዊ ሃገራዊ ዘተ ምርድዳእ ብምፍጣር ንመካተቲን ዘላቒ ልምዓትን በሪ ዝኸፍት ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡
ባንኪ ዓለም ጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቆራፅ ኢዩ ክብሉ ምርግጋፆም እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!