ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንክታት ካብ 19 ጥሪ 2018 ዓ.ም ጀሚሮም ንዝተመረፁ ናውቲታት ኣታዊ ዋጋ ጉምሩክ ከም መርኣዪ ዋጋ ክጥቀሙ ኢዮም ኢሉ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ።
ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ እቶም ባንኪታት ነዝተመረፁ ናውቲታት ሰነድ ልቓሕ ይኹን ካሊእ ክፍሊት እንትይፈቕዱ ተመን ኮሚሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ከም መርኣዪ ዋጋ ክጥቀሙ ይግባእ ኢሉ።
እቲ ባንኪ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም ተግባራዊ ዝገበሮ መምርሒ ሸርፊ ወፃኢ ስዒቡ ናይዛ ሃገር ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክውሰን ከምዝተገበረ ኣዘኻኪሩ።
እቲ መምርሒ ባንኪታት ምስ ዓማዊል ብምድርዳር ተመናት መዐደጊን መሸጥን ሸርፊ ወፃኢ ምውሳን ንክኽእሉ ይፈቅድ ኢዩ ክብል እውን ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!