ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባዕላ ዝኸኣለትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ንምፍጣር ብሓድነት ደው ንበል ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተዛሪቦም።
ኣይተ ደመቀ መኮንን ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
”ዝኸበርኩም ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን፣ ሓዱሸ ዓመት ብመንፈስ ኢትዮጵያውያን ናይ ለውጢ መግለፂ ስለዝኸነ ካብ ፀሓይ ብርሃንን ካብ እንፈትዋ ኢትዮጵያን ብቐለማት ማዕሪጉ ዝመፅእ ኢዩ” ኢሎም።
ስለዝኸነ እዚ ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስ ከፍ እትብልሉ ከምኡውን ብሕውነትን ሓድነትን እትደምቅሉ ንክኸውን ልብዊ ትምኒተይ እገልፅ ኢዮም ኢሎም።
ግድብ ህዳሰ ኣብ እንሃንፀሉ ብገንዘብ ይኹን ቴክኒክ ድጋፍ ኩላትና ግደና ካብ ምብርካት ንድሕሪት ኣይበልናን ዝበል ኣይተ ደመቀ፥ በዚ መዳይ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵውያንን በዝገበርናዮ ርብርብ ኣዝየ ተደሲተ ኢየ ኢሎም።
ኣብ ዝቕፅል ዓመት እውን ዝበለፀ ውፅኢት ንምምዝጋብ ዝተጀመረ ምድጋፍ ንክጠናኸር ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።
ብኹለ መዳይ ባዕላ ዝኸኣለትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ንምፍጣር ብሓድነት ደው ንበል ክብሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።