ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሮ ኢሬቻ መበገሲ ብምግባር ዝተሰናደአ ባዛርን ኤክስፖን ኢሬቻ ኣብ ማእኸል ኤግዚብሽን ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ተኸፊቱ።
ኣብ’ቲ ባዛርን ኤክስፖን፥ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ኣልባሳትን ገይፃ መይፂን፣ ፍሪያታት ግብርናን ሃገር ቦቀል ኢንዱስትሪን ቀሪቦም።
ልውውጥ ባህሊ ኣብ ዝግበረሉን ቤተሰብ ዝራኸበሉን ባዛርን ኤክስፖን ኢሬቻ፥ ኣልባሳት ባህሊ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፍሪያታት ብተመጣጣኒ ዋጋ ከምዝቐርብሉ ተሓቢሩ።
እቲ መርሃ ግብሪ ሓድነት፣ ምስጋናን ፍቕሪን መሰረት ብምግባር ኣብ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ እወንታዊ ዝምድናታት ንምጥንኻር ዘኽእል ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!